ንህልውና ሃገር፣ ሳላምን ልምዓትን ብሓባር ጠጠው ምባል የድሊ – ዓበይቲ ዓዲ መቐለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንህልውና ሃገር፣ ሳላምን ልምዓትን ብሓባር ጠጠው ምባል ከምዘድሊ ዓበይቲ ዓዲ ከተማ መቐለ ኣገንዚቦም።

ግዚያዊ ምምሕር ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ክልል ብምዝውዋር ምስ ህዝቢ እናተዛተየ እንትኸውን፥ ኣብ ከተማ መቐለ እውን ምስ ዓበይቲ ዓዲ ምይይጥ ኣካይዱ።

ምስቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝተዛተዩ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ዓበይቲ ዓዲ፥ ንህልውና ሃገር፣ ሳላምን ልምዓትን ብሓባር ጠጠው ምባል ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

“ዘለትና ሃገር ሓንቲ ኢያ፣ ሰላምና ጋህዲ ክንገብር ንኅእል ንሕና ባዕልና ኢና፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ክልተ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት እንተሃሊዮም ድማ ፀገም ዘስዕብ ኢዩ” ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ብጉጅለ ጥፍኣት ሕወሓት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተዓጠቑ መናእሰይ ከተማ መቐለ መሳርሒኦም ብሰላማዊ መገዲ ንሰራዊት ምክልኻል ንኸረክቡ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ሓቲቶም።

ጉጅለ ህወሓት ብዙሓት መናእሰይ ኣብ በረኻ ብምዕጣቕ ብፍላይ ኣብቲ ክልል ሰላምን ምርግጋእን ከይህሉ ምስርሑ ተቐባልነት ዘይብሉ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

እቶም ዓበይቲ ዓዲ ህዝቢ ትግራይ ዝደልዮ ሰላም፣ ልምዓትን ሓድነትን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ጉጅለ ህወሓት መናእሰይ ብምዕጣቕ ናብ ጎንፂን ዘይምርግጋዕን ከምርሕ ምግባሩ ኮኒኖም።

ብዘይሕጋዊ ኣካል ዝተዓጠቑ መናእሰይ መሳርሒኦም ብቕልጡፍ ንመንግስቲ ኣታዊ ንኽገብሩ ምሕታቶም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment