ንሃገር ናብ ሓደጋ ኣብ ዘውድቑ ጉዳያት ዝንቀሳቐሱ ትካላት ተራድኦ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ንሃገር ናብ ሓደጋ ኣብ ዘውድቑ ጉዳያት ዝንቀሳቐሱ ትካላት ተራድኦ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኤጀንሲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሉኣላውነት፣ ሓድነትን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ናብ ሓደጋ ኣብ ዘውድቑ ጉዳያት ከምኡ እውን ካብ ዝተፃየሹሉ ዕላማ ወፃኢ ኣብ ዝንቀሳቐሱ ዝተወሰኑ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ ቀረባ እዋን ናይ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኢዩ እቲ ኤጀንሲ ኣፍሊጡ ዘሎ፡፡

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣይተ ፋሲካው ሞላ፥ ሕግን ስርዓትን እዛ ሃገር እንተይኣኽበሩ ካብ ዝተጣየሹሉ ዕላማ ወፃኢ ኣብ ዝንቀሳቐሱ ትካላት ተራድኦ ከከምመጠን ትፍኣቶም ካብ መጠንቀቕታ ክሰብ ምእጋድን ምፍራስ ዝበፅሕ ዝተፈላለየ ስጉምቲ ክሰድ ኢዩ ኢሎም፡፡

“ኣብ ከምዚ ዝበሉ ጉዳያት ፍፁም ንደራደረሉ ኩነታት ኣይህሉን” ክብሉ ምግላፆም ትፕኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment