ንሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝኾኑ 450 ሺሕ ታብሌታት ክሳብ መወዳእታ ታሕሳስ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትዉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝኾኑ 450 ሺሕ ታብሌታት ክሳብ መወዳእታ ታሕሳስ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትዉ ኢዮም ክብል ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ።

ብኦንላይን ዝወሃብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ንምሃብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ምስ ሃገር ለኸ ፈተናታት ኤጀንሲ ብምዃን ንቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጂን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቅድመ ምድላው እቲ ፈተና ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተተኺሎም ምስቲ ሚኒስቴርን ሰርቨራት ኤጀንሲ ፈተናታት ዝራኸቡ 1 ሺሕን 500 ቪሳት ቴክኖሎጂ ድሉዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቶም መሳርሒታት ዝተኽሉ 250 ሰብ ሞያታት ስልጠና ብምውሳድ ናብ ስራሕ ንምእታው ምድላው ከምዝተገበረ እወን ኣብሪሆም።

12 ሺሕ ላፕቶፓት ንፈተንቲ ንምሃብ ድሉዋት ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ ንሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝኾኑ 450 ሺሕ ታብሌታት እውን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትዉ ኢዮም ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment