ንሃገራዊ ዘተ ኣጀንዳ ኣብ ምሕንፃፅ ከይዲ ትኹረ አረገበረሎም ጉዳያት

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣጀንዳታት ኣብ ምትእኽኻብን ምሕንፃፅን ከይዲ ብዙሓት ተግባራት ይውግን፡፡

ካብ መላእ ክፍሊታት እታ ሃገርን ካብ ዳያስፖራ ማሕበረሰብን÷ ግልፂ፣ መካተቲን መሳተፊን ብዝኾነ መልክዑ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት በቢብርኩ ናብ ቤት ምኽሪ እቲ ኮሚሽን ተፈልዮም ይቐርቡ፡፡

ምስ ቀረቡ ድማ ንጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ዝኾኑ ኣጀንዳታት ከምዝሕንፀፁ ሓበሬታ እቲ ኮሚሽን ኣመልኪቱ፡፡

ኣብ ከይዲ ምሕንፃፅ ኣጀንዳ እቲ ኮሚሽን ዝኽተሎም ሰለስተ ዓበይቲ መምርሒታት ድማ፡-

  1. ንጉባኤ ዘተ ዝቐርቡ ኣጀንዳታት ምምያን
  2. ድምፆም ጎሊሁ ዘይስማዕ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣጀንዳታቶም ብግቡእ ከምዝተኻተቱ ምርግጋፅ
  3. እዋናዊን ኣዚዮም ወሰንቲ ንዝኾኑን ጉዳያት ቅድሚት ምሃብ ኢዮም፡፡
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment