ኔቶ ኣብ ጎንፂ ዩክሬን ኣትዩ ማለት 3ይ ኲናት ዓለም ተጀሚሩ ማለት ኢዩ – ቻርለስ ሚሼል

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃገራት ትካል ቃል ኪዳን ሰሜን ጦር ኣትላንቲክ  (ኔቶ) ኣብ ጎንፂ ዩክሬን ኣትዩ ማለት 3ይ ኲናት ዓለም ተጀሚሩ ማለት ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ቻርለስ ሚሼል ተዛሪቦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ሎሚ መዓልቲ ንንባብ ዝበቕዐ ፍሉጥ ጋዜጣ ስፔን ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ መሕትት፥ “ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ ኲናት ዩክሬንን ሩሲያን ክኣትዋ የብለንን” ኢሎም፡፡

ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ሞንጎ ሞስኮን ኬቭን ዘሎ ጎንፂ ኢደን ከእትዋ የብለንን ዝበሉ ቻርለስ ሚሼል፥ “ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ኔቶን ጎንፂ ተፈጢሩ ማለት ድማ ኲናት ኒውክሌር ዓለም ተጀሚሩ ማለት ኢዩ” ክብሉ ኣብሪሆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ፈረንሳይ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕረት ኣውሮፓ ኣብ ዘጀመሩሉ እዋን ከምዝሓበሩዎ፥ ብድሕሪት እቲ ዝተፈጠረ ጎንፂ ዝተሓላለኹ ፀገማት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ሰላማዊ ልዝብ ብጥንቃቐ ንኽካየድ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ሩሲያ ወናኒት ኒውክሌር ስለዝኾነት ኣብ ሞንጎ ኔቶን ሩሲያን ዘሎ ወጥሪ ናብ ጎንፂ እንተተቐይሩ ናብ 3ይ ኲናት ዓለም ከምንኣቱ ንፈልጥ ኢና ኢሎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment