ኔቶ ልዑል ዝበሎ ጥሙር ልምምድ ሓይሊ ኣየር ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃገራ ትካል ቃል ኪዳን ጦር ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዝዓበየ ጥሙር ልምምድ ሓይሊ ኣየር ከምዘካይዳ ተገሊፁ።

ብመሪሕነት ሓዪሊታት ጦር ጀርመን ከምዝካየድ ዝተሓበረ እቲ ልምምድ፥ 10 ሺሕ ዝኾኑ ወታደራትን 220 ጦር ኣውሮፕላናትን ከሳትፍ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ልምምድ ኣብ ክልል ኣየር ኣውሮፓ ዝካየድ እንትኸውን፥ 100 ዝኾና ጦር ኣውሮፕላናት ኣሜሪካ ከምተዋፅእ ተሓቢሩ፡፡

ሓይሊ ጦር ጀርመን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ መብዛሕትኡ ልምምድ ኣብ ኣየር ክልል ጀርመን ክካየድ ኢዩ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ሞንጎ 12 ን 24 ሰነ ዘለዉ መዓልቲታት ኣብ ሓዲኡ ዝጅምር እቲ ልምምድ፥ ንሩሲያ ኣብ ተዋስን ክልል ኣየር ስቶኒያን ንዩክሬን ኣብ ተዋስን ክልል ኣር ሮማኒያን ከምዘካትት እውን ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ (ኔቶ) ዝተፀምበረት ፊንላንድ ሓዊሱ ብሓፈሻ 24 ሃገራት ኣብቲ ልምምድ ክሳተፋ ኢየን ተባሂሉ።

ኣብቲ ጉጅለ ዘይተፀምበረት ስዊድን እውን ከምትካፈል ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment