ናፅነትና ዝዳፋእ ዝኾነ ይኹን ናይ ወፃኢ ሓይሊ ብሓባር ብምምብርካኽ ሓድነትና ሓሊና ክንነብር ክኢልና ኢና – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያውያን ሰላምናን ናፅነትና ዝዳፋእ ዝኾነ ይኹን ናይ ወፃኢ ሓይሊ ብሓባር ብምምብርካኽ ሓድነትና ሓሊና ክንነብር ክኢልና ኢና ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ አፅቀስላሴ ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ታዬ መበል 19 በዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መልእኽቶም ድማ “ናፅነትና ዝዳፋእ ዝኾነ ይኹን ናይ ወፃኢ ሓይሊ ብሓባር ብምምብርካኽ ሓድነትና ሓሊና ክንነብር ክኢልና ኢና” ኢሎም።
ንህብረ ብሄራዊ ሃገሩ ቅኑዕ ዝኾነን ልምዓት ጋህዲ ንምግባርን ዝወሰነ ትውልዲ ሰላሙ ብዘተኣማምን ከምዘፅነንዕ ኣብሪሆም።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment