ናፃ ንግዲ ቀጠና ድሬዳዋ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 150 ናይ ፅዕነት ተሸከርከርቲ የስተኣናግድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናፃ ንግዲ ቀጠና ድሬዳዋ ንምስላጥ ዝተሃነፀ ዘበናዊ ደረቕ ወደብ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 150 ናይ ፅዕነት ተሸከርከርቲ እናተኣናገደ ከምዝርከብ ትካል ኣገልግልሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንኢትዮጵያን ሃገራት እቲ ዞባን ወፃኢን ኣታዊን ንግዲ ንምስላጥ ዕዙዝ ኣበርክቶ ይህልዎ ኢዩ ዝተብሃለሉ ናፃ ንግዲ ቀጠና ድሬዳዋ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ምግባሮም ይዝከር፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣገልግልሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኣይተ ሮባ መገርሳ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ÷ ናፃ ንግዲ ቀጠና ኣቕረብቲን ዓማዊልን ብቐረባ ክረኽቡ ዝኽግዝ መድረኽ ኢዩ፡፡
ኣብቲ ቀጠና ካብ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ሓደ ሎጂስቲክስ ብምዃኑ ዕላምኡ ንምዕዋት ዘበናዊ ደረቕ ወደበ ክዝተሃነፁ ገሊፆም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ፈላማይ ዝኾነ ብፅሬቱ ካብ ኣፍሪካ ብሉፅ ዝበሃል ደረቕ ወደብ ድሬዳዋ እቲ ቀጠና ዝተሓሰበሉ ዕላማ ንምዕዋት ዝሕግዝ ከምዝኾነ እውን ኣብሪኆም፡፡
ብመሰረት እዚ ደረቕ ወደብ ድሬዳዋ ካብ መፈለምትኡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 150 ናይ ፅዕነት ተሸከርከርቲ ብምትእንጋድ ዝተሳለጠ ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ አናሃበ ክምዝኾነ ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment