ናይ ውሽጢ ይኹን ደገ ፀላኢ ናይ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ንክደፈር ኣይንፈቅድን-ኣቦታት ሃይማኖትን ኣባገዳታትን

ኣዲስ ኣበባ፣  28 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ ) ናይ ውሽጢ ይኹን ደገ ፀላኢ ናይ ኢትዮጵያ ክብርን ሉኣላዊነትን ንክደፈር ኣይንፈቅድን ክብሉ ኣቦታት ሃይማኖትን ኣባገዳታትን ገሊፆም።

ናይ ኦሮሚያ ናይ ሃይማኖት ትካላት ጉባኤን ኣባ ገዳታትን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ተዛቲዮም።

አባ ገዳ ኣሊይ መሐመድ “ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ለዕሊ ህዝብና ተቖፂሩ ዘይውዳእ በደል ፈፂሙ ኢዩ” ኢሎም።

ሐዚ እውን ኢትዮጵያ ንምብትታን ቆሪፁ ብምልዓሉ ኩሉ ብሓባር ደው ብመባል ዕላምኡ ከኽሽፎ ይግባእ ኢሎም።

ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጥምረት ዝፈጥር ኮነ ዝተሓባበር ኣካል ናይ ህዝቢ ፀላኢ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

“የውጭም ይሁን የውስጥ ጠላት በፍጹም ኢትዮጵያን ለማፍረስ ይቅርና እንዲዳፈር አንፈቅድም” ያሉት አባ ገዳ አሊይ፤ “አሸባሪውን ቡድን በጋራ በመመከት የኢትዮጵያን ክብርና ሉአላዊነት እናስከብራለን” ብለዋል።

“ናይ ውሽጢ ይኹን ደገ ፀላኢ ናይ ኢትዮጵያን ሉኣላዊነት ንክደፈር ኣይንፈቅድን” እውን ኢሎም እቶም ኣቦታት ሃይማኖትን ኣባ ገዳታትን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment