ናይ ወፃኢ ፕሮግራማት ሊንክ ብምግባር ምምሕልላፍ ተኸልኪሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሽጢ ሃገር ኤፍ ኤም ሬድዮ ጣቢያታት ናይ ወፃኢ ፕሮግራማት ሊንክ ብምግባር ምምሕልላፍ ከምዝተኸልከለ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘይተውሃቦም ናይ ወፃኢ ሬዲዮ ጣቢያታት ፍቓድ ብዘለዎም ናይ ውሽጢ ዓዲ ኤፍ ኤም ሬዲዮ ጣቢያታት ኣቢሎም መደባቶም እናመሓላለፉ ምፅነሖም ይፍለጥ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ መሓመድ እድሪስ፥ ናይ ወፃኢ ፕሮግራማት ሊንክ ብምግባር ምምሕልላፍ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ከምዝተኸልከለ ገሊፆም።

ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝሰርሑ ሬድዮ ጣቢያታት ዝመሓላለፉ መደባት ናይ ውሽጢ ሃገር ሕግን ስርዓትን ተኸቲሎም ኣንተሰርሑ ከምዘይኮኑ ተገሊፁ፡፡

“ኣብ ፕሮግራማተን ናይ ሓደሓደ ሃገራት ቅዋም መግለፂ እንትመሓላለፍ ዝረኣየሉን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ዘየእተወ እንትኸውን ተራኢዩ ኢዩ” ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ነባራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ዘየእተዉ መደባት እናተመሓላለፉ ከምዝነበሩ እውን ኣዘኻኺሮም።

እቶም ኣካላት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ፍቓድ ዘይረኸቡ ስለዝኾኑ ዝመሓላለፉ መርሃ ግብሪታት ብምክትታል ምላሽን መስተኻኸሊን ንመሃብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘይምህላዉ ገሊፆም፡፡

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘመሓላልፉ ሬድዮ ጣቢያታት ኣብቶም መደባት ዝገብሩዎ ቁፅፅር ትሑት ምዃኑ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ በዓል መዚ ዝተፀርሑ ሓሳባት ኣብ ግምት ብምእታው፥ ካብ ሎሚ መዓልቲ ናይ ወፃኢ ፕሮግራማት ሊንክ ብምግባር ምምሕልላፍ ከልኪሉ ኣሎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment