ናይ ወፃኢ ሃገር ገንዘብን መሳርሒታት ኲናትን አናዘዋወሩ ዝተረኸቡ ሓሙሽተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ልዕሊ 3 ሺሕ ናይ ወፃኢ ሃገር ገንዘብን መሳርሒታት ኲናትን አናዘዋወሩ ዝተረኸቡ ሓሙሽተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውሎም ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ጋምቤላ ኣፍሊጡ።

ምክትል ኮሚሽነር እቲ ክልል ቱት ኮር ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ካብ ሕብረተሰብ ብዝበፅሐ ሓበሬታ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ከተማ ጋምቤላ፣ ዲማን ኢታንግን ብዘተገበረ ክትትል ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ ልዕሊ 3 ሺሕ ናይ ደቡብ ሱዳን “ፎን” ገንዘብ፣ ሰለስተ ክላሽንኮብን ሓደ ጠበንጃታት ብሬንን፣ ሓደ ሽጉጥ ከምኡ እውን 90 ተተኮስቲ ጠያይቲ ብሬንን ዲሽቃን ምስቶም ተጠርጠርቲ ከምዝተረኸቡ ኣፍሊጦም።

እቶም ተጠርጠርቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ዝወዓሉ እንትኾኑ፥ እናተገበረሎም ዝርከብ ከይዲ ምርመራ እንትዛዘም ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝለኣኽ እውን ገሊፆም።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋራት ንምቁፅፃር ብዝገበሮ ፃዕሪ 315 ጠበንጃታት ክላሽንኮቭን ክልተ ጠበንጃታት ብሬንን ከምኡ እውን 1 ሺሕን 790 ዝተፈላለዩ ተተኮስቲ ጠያይቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ኣዘኻኺሩ።

ተሳትፎ ህዝቢ ብምጥንኻር ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት እቲ ዝውውር ንምግታእ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝርከብ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment