ናይ ወገን ጦር ናብ ልዑል ወፍሪ ምጥቃዕ ኣቲዩ ኣሎ – መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልቲታት ኣብ ዝተኻየዱ ፍሉያት ወፍሪታት 12  ኣመራርሓታት ኣርሚን ኮርን ፀላኢ ተደምሲሶም።

መግለፂ ሂቦም፡፡

ፍልጠት ኣመራርሓን ቴክኖሎጂን ብምጥቃም መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ግምባር ባቲ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ምጥቃዕ ስዱሽተ ኣመራርሓታት ኣርሚን ኮርን ህወሓት ከምዝተደምሰሱ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኑኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቶም ኣመራርሓታት ብመንግስቲ ፌዴራል ብገበን ኽደት ሃገር እናተደለዩ ዝነበሩ ከምዝኾ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ናይ ወገን ጦር ሰብኣዊን ቁሳዊን ክሳራ ብዝንኪ መልክዑ ብዝሓንፀፆ ስትራቴጂ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ተዛሪቦም።

ኣብ ግምባር ከሚሴ ብተመሳሳሊ፥ ሎሚ መዓልቲ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ሽዱሽተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣርሚን ኮርን ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ገሊፆም።

“ኣብ ግምባር ሎሚ መዓልቲ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ንመሊስካ ምጥቃዕ ዝተዳለወ ሓይሊ ዘየዳግም ስጉምቲ እግረይ ኣውፀእኒ ኢሉ ክጎዪ ምግባር ተኻኢሉ ኢዩ” ኢሎም።

ህዝቢ ናይ ወገን መጥቃዕቲ ምፅዋር ኣቢዩዎ ብጉጅለን ብውልቀን እናሃደመ ዝርከብ ሓይሊ ፀላኢ ጉድኣት ከየብፅሕ ከባቢኡ ብንቕሓት ንኽከታተል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብይስማው ኣደራው

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment