ናይ ኣደባባይ በዓላት ንኸተማና ተወሰኽቲ ፅባቐ ኢዮም – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኣደባባይ በዓላት ንኸተማና ተወሰኽቲ ፅባቐን መስሕብ ቱሪስትን ኢዮም ክብላ ከንቲባ መምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኣደባባይ በዓላት ብድምቀት ተኸቢሮም ንኽዛዘሙ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ኣመስጊነን፡፡

ካብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸበሩ በዓላት ሰላማዊ፣ ዝተረጋግኡ፣ ድሙቓት፣ ህዝቢ ብዘኽበረ መልክዑ ሓላፍነቶም ንዝተዋፅኡ ኣካላት ፀፅታ፣ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓ ምምሕዳር እታ ከተማ ከምኡ እውን ንመላእ ሕብረተሰብ እታ ከተማ ኣመስጊነን፡፡

ናይ ኣደባባይ በዓላት ንኸተማና ተወሰኽቲ ፅባቐን መስሕብ ቱሪስትን ከምዝኾኑ ምግላፀን ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment