ናይ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣገልግሎት ትካል ንመከላከያ ሰራዊት ልዕሊ 55 ሚሊየን ብር ድጋፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣገልግሎት ትካል ንመከላከያ ሰራዊት ልዕሊ 55 ሚሊየን ብር ድጋፍ ገይሩ።

ናይቲ ትካል ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ካብ ወርሒ ደመዎዞም 15 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ድጋፍ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ እቲ ትካል ብግድኡ 40 ሚሊየንን 164 ሺሕን 600 በር ድጋፍ ገይሮም።

ብኣጠቓላሊ ካብ ሰራሕተኛታትን ካብ ኣመራርሓን ደመወዝን ካብቲ ትካልን 55 ሚሊየንን 964 ሺሕን 600 ንመከላከያ ሰራዊት ኣታዊ ከምዝተገበረ ካብቲ ድርጅት ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ እቶም ሰራሕተኛታት መከላከያ ሰራዊት ንሓይሊታት ጥፍኣት ንምምብርካኽ ዝገብሮ ዘሎ ተጋድሎ ከምዝድግፉን ትፅቢት ዝግበረሎም ድጋፍን ምትሕብባርን ከምዝገብሩ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment