ናይ ትካል ህንፀት ትልሚና ዕዉትነቱ ዝረጋገፅ ብወሳኒ ተሳትፎ ጥንኩራት ደቂ ኣንስትዮ ኢዩ – ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ትካል ህንፀት ትልሚና ዕዉትነቱ ዝረጋገፅ ብወሳኒ ተሳትፎ ጥንኩራት ደቂ ኣንስትዮ ኢዩ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም፡፡

ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ “ተጋድሎ ደቂ ኣንስትዮ ንሰላምን ፍትሒን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተኸቢሩ።

ሌ/ጀ ይልማ መርዳሳ ኣብቲ እዋን÷ ብታሪኻዊ ተጋድሎ ሓርበኛ ዓድዋ እቴጌ ጣይቱ፣ ጓል ኣንስተይቲ ኣብራሪት ኣውሮፕላን ሙሉ እመቤትን ካልኦት ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮን ክብሪ ኢትዮጵያ ክብ ከምዝበለ ኣልዒሎም።

“ናይ ትካል ህንፀት ትልሚና ዕዉትነቱ ዝረጋገፅ ብወሳኒ ተሳትፎ ጥንኩራት ደቂ ኣንስትዮ ኢዩ” ክብሉ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ድሕሪ ለውጢ ብብርኪ ሓይሊ ኣየር ደቂ ኣንስትዮ ንምብቃዕን ብኹሉ መዳይ ተረባሕቲ ንምግባርን ዝተጀመሩ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ጉዳይ ዘፈር ፍሉይ ስታፋት ሜ/ጄ ጥሩዬ ኣሰፌ ብግደአን÷ ድሕሪ ለውጢ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሓላፍነት ንምምፃእን ኣብዝተመደበኦ ውፅኢታዊ ንኽኾናን ዝተገበረ ሓገዘ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ነቲ ትካል ብዝተፈላለየ ዓውዲ እናገልገላ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እዋኑ ብዝሓቶ መንፈስ ተወዳዳራይነት ድልውነተን ከረጋግፃ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን።

ኣብቲ ዕለት ብኣፈፃፅማ ስረሐን ውፅኢታዊ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰራዊት ናይ ምስጋና ምስክር ወረቐት ከምዝተበርከተለን ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment