ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ ዓውዲ ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 2 ሽሕን 881 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ሓዊሱ ተመረቕቲ ተምሃሮ፣ ስድራኦምን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ፕሮፌሰር ብርሃኑ÷ “ሃገርና ካብ ዘጋጠማ ሕማም ንኽትድሕን ዋላኳ ኩለና ሓላፍነት እንተሃለወና፤ ግደ መማህራንን ትካላት መሰልጠኒ መማህራንን ግና ዕዙዝ እዩ” ኢሎም።
ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅን ብቑዕ ዜጋ ንምፍራይን ብቐዳምነት ቡቑዓት መማህራን ምፍራይ ቁልፊ ጉዳይ ከምዝኾነ እውን እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።
ፅሬት ዘለዎ ወለዶ ንምፍራይ ፅሬት ዘለዎም መማህራን ምፍራይ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
እዚ ንምርግጋፅ ብመዳይ ሚኒስቴር ትምህርቲ ካብ ቀፃሊ ዓመት ጀሚሩ ጥንኩራት ስራሕቲ ከምዝስርሑ ምዝራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።
ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ብርሃነ መስቀል ጠና ብወገኖም÷ ተመረቕቲ ነዛ ሃገር ናብ ዝሓሸ ጉዕዞ ዕቤት ንምሰጋር ግድኦም ንክዋፅኡ ሓቲቶም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com