ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ መሳይ ተፈሪ ትማሊ ምሸት ንጅቡቲ 6 ን 1 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ምስ ሰዓሩ እቲ ፀወታ ምስዓር ልዑል ትርጉም ከምዘለዎ ገሊፆም።
እቲ ዓወት ንዝቕፅሉ ፀወታታት ዓቕሚ ከምዝኾኖም ብምሕባር፤ ኣብቲ ፀወታ ካብ ሓላዊ ልዳት ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ቅድሚት መስመር ዘለዉ ተፃወትቲ ዝሐሸ ምንቅስቓሰ ከምዘርአዩ ሓቲቶም፡፡
“ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ ሽዱሽተ ሸቶታት ብምምዝጋብና ዘለና ዕዳ ሸቶ ክንስርዝ ክኢልና ኢና” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተፃወትቲ ልዑል ዓቕሚ ከምዘለዎም ዝገለፁ እቶም ኣሰልጣኒ፤ ኣብ ከይዲ ፅቡቕ ቁመና ዘለዎ ጋንታ ምህናፅ ከምዝከኣል ገሊፆም፡፡
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም 2026 ካብ ዝገበረቶም ሽዱሽተ ፀወታታት ሓደ ዓወት ክልተ ስዕረት ሰለስተ ማዕረ ብምፍልላይ ብ6 ነጥቢ ኣብ 4ይ ደረጃ ትርከብ፡፡
ኣብ ቀፃ ድማ 28 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ምስ ግብፂ ከምኡ እውነ 1 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ምስ ሴራሊዮን ፀወታኣ ክተካይድ ኢያ፡፡