ናይ ቀደም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እዝ ሰሜን ዝተፈፀመ ክሕደት ከምዘቖጠዖ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ናይ ቀደም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እዝ ሰሜን ዝተፈፀመ ክሕደት ከምዘቖጠዖ ገሊፁ።

ኣመራርሓ እቲ ናይ ቀደም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ መንግስቲ ፃውዒት እንተገይሩሎም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ብምዃን ንኲናት ንምስላፍ ድሉዋት ከምዝኾኑ ገሊፁ።

ህወሓት ቅድመ ሐዚ ናይ ቀደም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝበተነ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፥ ሐዚ ውን ዕላምኡ ከምብሓዱሽ ንምዕዋትን ፃምእ ስልጣኑ ንምርዋይን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ኣብቲ ዝሃብዎ መግለፂ ኣረዲኦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንሃገሩ እንትወድቕ ዝፀንሐን ንህዝቢ ዝሞተ፣ ዝደመየን ዝቖሰለን ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብጣዕሚ ከምዘቖጠዖምን እቲ ጉጅለ ክሳብ ዝድምሰስ ሓቢሮም ንምውጋእ ድሉዋት ከምዝኾኑ ኣብ መግለፂኦም ኣረጋጊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 274 ቅርንጫፋት ሒዙ ኣብ ምንቅስቓስ ዘሎ እቲ ትካል፥ ኣብ ውሽጡ እውን ልዕሊ 1 ሚሊየን ኣባላት ሰራዊት ከምዘለውዎ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment