ናይ ሚኒስትር ድሕንነት ደቡብ አፍሪካ ስልኪ ተጠሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ድሕንነት ደቡብ አፍሪካ ኣያንዳ ድሎድሎን ምክትለንን ስልኪ ምጥላፉ ተገሊፁ።

መርመርቲ እታ ሃገር ናይተን ሚኒስትርን ካልኦት መሳርሕተንን ስልኪ ብኸመይ ከምዝተጠለፈ እናተፃረየ ምዃኑ ገሊፆም።

እቶም ጠለፍቲ ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ዝተፈላለዩ ገንዘባት ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን እቲ ቤት ዕዮ ከምዝሰረቑ ተገሊፁ።

ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶርያ፥ ኣብ ልዕሊ ኤጀንሲ ድሕንነት ተመሳሳሊ ስርቂ ተፈፂሙ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ናይ ፕሪዚዳንት እታ ሃገር ሲሪል ራማፎሳ ኢሜላት ብምጥላፍ ምስ መረፃ ርክብ ዘለዎም ሓበሬታታት ዕላዊ ገይሮም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ፍልፍል፡-ቢቢሲ

Comments (0)
Add Comment