ናይ መስቀል ኣደባባይ ናይ መኪና መቖሚ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ መስቀል ኣደባባይ ናይ መኪና መቖሚ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ትካል ማክኸል ኤግዚቢሽንን ልምዓት ዕዳጋን ኣፍሊጡ።

እቲ ብልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ኣደባባይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኢዩ ህንፀቱ ተዛዚሙ ንምረቓ በቒዑ።

እቲ 1 ሺሕን 400 ተሽከርከርቲ ምትእንጋድ ዝኽእል ናይ መኪና መቖሚ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ዋና ኣስፈጻሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ጥላሁን ታደሰ ገሊፆም።

ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ከምዘገልግል ድማ ተዛሪቦም።

ሐይማኖታዊን ሕዝባዊን በዓላት፣ ናይ ሙዚቃ ኮንሰርቶች ካልኦት ማሕበራዊ ፍፃመታት ትርኢታት ኣብቲ ቦታ ናይ ምስላጥ ስራሕ ከምዘካትት እውን ተገሊፁ ክብል ግዜኢ ዘጊቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment