ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ምሸት ናይ መልሲ ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ዝካየዲ እንትኾኑ ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ስታዲየም ኣንፊልድ ሮድ ሊቨርፑል ምስ ፒኤስጂ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።
ጋንታ መርሲሳይድ ሊቨርፑል እቲ ፅዋዕ ንምዕዋት ግምት ካብ ሞንጎ ዝተውሃበን ጋንታታት ሓንቲ ክትከውን ክኢላ።
ኣብ ፈረንሳይ ሊግ አ ፅቡቕ ናይ ውድድር ዓመት እናሕለፈት ትርከብ ፈረንሳዊት ጋንታ ፒኤስጂ ብግደኣ ነቲ ውፅት ብምቕያር ናብ ቀፃሊ ዙር ንምፅምባር ክትነሓናሕ ኢያ።
ኣብ ቀዳማይ እግሪ ፀወታ ሊቨርፑል ናብ ፈረንሳይ ኣምሪሓ ልዑል ፅዕንቶ በፂሑዋ ዝነበረ ይኹን እምበር ሀርቤ ሊዮት ብዘመዝገባ ብሕታዊት ሸቶ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ ከምዝተመለሰት ይዝከር።
ብተመሳሳሊ ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ዝግበሩ ካልኦት ፀወታታት ክልቲአን ጋንታታት ጀርመን ባየር ሊቨርኩሰንን ባየርን ሙኒክ ኣብ ባይ ኣሬና ክራኸባ ኢየን።
ቀዳማይ ዙር ፀወተሰ ኣብ ኣሊያንዝ ኣሬና 3 ን 0 ስዕረት ዘጋጠማ ጋንታ ባየርሊቨርኩሰን ናብ ርብዒ ፍፃመ ንምሕላፍ ሎሚ ብልዕሊ ኣርባዕተ ሸቶታት አፈላላይ ክስዕር ኣለዋ።
ጣሊያናዊት ጋንታ ኢንተርሚላን ኣብ ሜዳኣ ጁሴፔ ሜዛ ምሸት ሰዓት 5 ንኔዘርላንዳዊት ጋንታ ፌይኖርድ ክተተኣናግድ ኢያ።
ካብዞም ፀወታታት ኣቐዲሙ ምሸት ሰዓት 2፡45 ባርሴሎና ኣብ ሜዳኣ ንቤኔፊካ ክተተኣናግድ ኢያ።