ናይ ሕሶት ብርን ዶላርን እናዘዋወሩ ዝነበሩ ተረኺቦም ዝተብሃሉ ውልቀ ሰባት ተኸሲሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)100 ሺሕ ናይ ሕሶት ብርን ዶላር ኣሜሪካን እናዘዋወሩ ተረኺቦም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ሓሙሽተ ውልቀ ሰባት ክሲ ከምዝመስረተ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ 6 ኣፍንጮ በር ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብ ሕብረተሰብ ብዝተረኸበ ሓበሬታን ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ከምኡ እውን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብዝገበሩዎ ክትትል እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተመልኪቱ፡፡

እቶም ሓሙሽተ ተጠርጠርቲ ኣድላዪ ምርመራ ድሕሪ ምፅራይ ብዓቃቢ ሕጊ ክሲ ከምዝተመስረቶም ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment