ናይ ሓባር ገዛና ብሓባር ንሓሉ – ኣይተ ደስታ ሌዳሞ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ድኽነት ታሪኽ ንምግባር ብሓባር ርብርብ ብምግባር ናይ ሓባር ገዛና ኢትዮጵያ ብሓባር ንሓሉ” ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሊዳሞ ፀዊዖም።

ኣይተ ደስታ ኣብ መበል 17 በዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ናይዚ ዓመት በዓል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ዝተፈጠሩ ሕድሕዳዊ ጎንፂታት ብልዝብ ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕነት ዝተበፅሐሉ እዋን ምኽባሩ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ከም ኢትዮጵያ ብዝሃ ባህሊ፣ ብሄርን ሃይማኖትን ዘለወን ሃገራት ህብረ ብሄራዊ ፌዴራሊዝም ተመራፂ ውዳበ መንግስቲ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

“እዚ ድማ ኩሎም ከባቢታት ንባዕለዎም ክውድቡን ከልምዑን ኣብ ምግባር ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ ኢዩ” ኢሎም፡፡

መንግስቲ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ንኹሉ ዘማእኸለ ፌዴራሊዝም እናሃነፀ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ድኽነት ታሪኽ ንምግባር ብሓባር ርብርብ ብምግባር ናይ ሓባር ገዛና ኢትዮጵያ ብሓባር ንሓሉ” ክብሉ ኣገንዚቦም።

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment