ናይ ሓሶት ደረሰይ ብምክፍፋል እናደናገሩ ዝነበሩ 42 ትካላት ከምዝተፈለዩ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ

አዲስ አበባ ፣ መጋቢት 3 ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ሓሶት ደረሰይ ብምክፍፋል እናደናገሩ ዝነበሩ 42 ትካላት ከምዝተፈለዩ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር፥ ኣብ ዘሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ብናይ ሕሶት ደረሰይ እናደናገሩ ዝነበሩን ብመፅናዕቲ ዝተፈለዩን ትካላት ከምዝኾኑ ገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተፈለዩ ዘይሕጋዊ ትካላት ዕድጊት ዝፈፀሙ ኣካላት ኦዲት ከምዝግበሩ ብምፅራሕ፣ ትካላት ቀፂሎም ካብ ዝተዘርዘሩ ትካላት ዕድጊት ከይፍፅሙ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ተግባር እቶም ትካላት ሃገር ክትረኽቦ ዝግበኣ እቶት ክትስእን ካብ ምግባሩ ንላዕሊ ስርዓት ንግዲ ብምዝባዕ ሕጋዊ ነጋዶ ካብ ዕዳጋ ከምዘውፅኦም እውን ገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment