ናይ ሎሚ ፀገም ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ ፍረ ኣማዕዲና ብምርኣይ ንብሩህ መፃኢ ዘበን ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና- ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ሎሚ ፀገም ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ ፍረ ኣማዕዲና ብምርኣይ ንብሩህ መፃኢ ዘበን ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መፃኢ ግዘ ኢትዮጵያ ብሩህ ንኽኸውን መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ሃገሩ ዝፈቱ ትውልዲ ካብ ሎሚ ሓሊፉ ንፅባሕ ኣመዓዲዩ ብምርኣይ ብሓባር ከምዝሰርሕ ብምሕባር÷ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እናተመዝገበ ዝርከብ ዓወት እውን ነዚ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ብምዃኑ ድማ ናይ ሎሚ ፀገም ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ ፍረ ኣማዕዲና ብምርኣይ ንብሩህ መፃኢ ዘበን ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና” ኢሎም።

ካብ ትማሊ ታሪኽ ትምህርቲ ብምውሳድን ሎሚ መዓልቲ በርቲዕኻ ብምስራሕን ንደቅና ዝሐሸት ሃገር ክነረክብ ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመንግስቲ ዝተጀመሩ ናብ 20 ዝፅግዑ ኢኒሼቲቫት ልምዓት ጭቡጥ ለውጢ እናምፅኡ ከምዝኾኑ ብምፅራሕ÷ ሕድሳት ገዛ ዓቕመ ደካማታት፣ ምገባ ተምሃሮ፣ ልምዓት ስርናይን መሰል ኢኒሼቲቫትን ከም ኣብነት ኣልዒሎም፡፡

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ 39 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ እውን ገሊፆም፡፡

ሎሚ መዓቲ ምስ እንተኽሎም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚሊየን ፈልሲታት እንትድመሩ 40 ቢሊየን ክበፅሑ ኢዮም” ኢሎም፡፡
#600_
ሚሊየን_ፈልሲ
ኣብ ሓደ ፀሓይ

#ሓምለዋይኣሰር

#GreenLegacy

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment