ናይ ሎሚ መዓልቲ ትግሃት ንፅባሕ ትርፊ ኢዩ! – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ 5 ጳጉሜን – መዓልቲ ፅባሕን ድሮ ሓዱሽ ዓመትን ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ መልእኽቱ÷ “መላእ ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ንመዓልቲ ፅባሕን ድሮ ሓዱሽ ዓመትን ብሰላም ኣበፀሐኩም!” ብምባል ሰናይ ትምኒ ገሊፁ።

“ፅባሕ መቑፀሪ ግዘ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ፅባሕ ተስፋ፣ ባህጊ፣ ስንቂ፣ ንሎሚ መዓልቲ ምኽንያት ምልዕዓልን ትግሃትን እውን ኢዩ፤ ኩልና ፅባሕ ንምርኣይ እንህንጠወሉ፣ ዝሐሸ ህይወትን ዓወትን ክህለወና እንምነየሉ ሃንቀውታና ኢዩ” ኢሉ፡፡

ኢትዮጵያ ፅባሓ ብሩህ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ኣገልግሎት÷ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ናይ ለውጢ ዓመታት ናይ ኢትዮጵያ ፅባሕ ንምቅናዕ ብዙሓት ዕዉታት ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ኣብሪሁ፡፡

ጅማሮታት ህንፀፅ ትካላት ዘበን ተሳጋሪ መሰረት ዝሓዙ ከምዝኾኑን ኣብ ትካላት ፀፅታ ተጀሚሩ ናብ ካልኦት እውን ዝተሰጋገረ ሪፎርም ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ዘእተዉን ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

“ሉዓላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝጀመርናዮም መርሃ ግብሪታት ካብ ሎሚ ሓሊፎም ናይ ፅባሕ ወለዶ ምግቢ ዝልምን ዘይኮነ ኣፍሪዩ ንባዕሉ ዝምግብን ዕቤቱ ዝተቓነዐ ገይሩ ንኽነብር ዘኽእል ኢዩ”ኢሉ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment