ናይ ልምዓት ሓሳብ ብምፍልፋል ኢትዮጵያ ብልምዓት ምቕያር ይከኣል ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ልምዓት ሓሳብ ብምፍልፋል ኢትዮጵያ ብልምዓት ምቕያር ይከኣል ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ወንጪ ዝህነፅ ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ብዕሊ ሎሚ መዓልቲ ኣጀሚሮም።
“ከባቢታት ወንጪ፣ ደንዲ፣ ወሊሶን አምቦን ፍቱዋት ኢዮም፤ እቲ ህዝቢ እውን ፃዕራም፣ ባህሉን ክብሩን ሓሊዩ ዝነበር ኢዩ” ከብሉ ገሊፆም። ህዝቡም ታታሪ፣ ባህሉን ወጉን ጠብቆ የሚኖር ህዝብ ነው” ብለዋል ጠቅላይ ሚኒስትሩ፡፡
ብመኣዲ ንሃገር ዝለምዕ ፕሮጀክት ቱሪዝም ወንጪ -ደንዲ ኢኮ ብምዕራፋት ተኸፋፊሉ ዝስራሕ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣተሓባባሪ እቲ ፕሮጀክትን ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር አብርሃም በላይ፥ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ወሓዝቲ ሩባታት ወንጪን ደንዲን ዘራኽብ መገዲ
ኣስፋልት ክህነፅ ኢዩ።
ብተወሳኺ ማእኸል ጥዕና፣ መመሓየሺ ቴሌኮም፣ ብሰብ ውልቀ ሃፍቲ ዝስርሑ መዘናግዒ ቦታትት ከምኡውን ማእኸል ትምህርቲን መዕርፎ ማእኸለዎት ነፈርቲን ክህነፅ ኢዩ ኢሎም።
ፕሮጀክትታት ቀልጢፍካ ምጅማርን ምዝዛምን ልምዲ እናኾነ ይመፅእ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ስነስርዓት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልል ኦሮሚያን ተረኺቦም።
ብኣላዛር ታደለ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment