ናይ ህዝቢ መሰረታዊ ሕቶታት ሰላምን ልምዓትን ንምምላስ ክሰርሕ ኢየ- ወ/ሮ ኣለሚቱ ኡሞድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ናይ ህዝቢ መሰረታዊ ሕቶታት ሰላምን ልምዓትን ንምምላስ ክሰርሕ ኢየ ክብላ ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ርእሰ ምምሕዳር ወ/ሮ ኣለሚቱ ኡሞድ ገሊፀን።

ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ንወይዘሮ ኣለሚቱ ኡሞድ ረእሰ ምምሕዳር ንክኾና ሎሚ ምሿሙ ይዝከር።

እተን ሓዳሽ ተሸያሚት፥ ህዝቢ እቲ ክልል ንምግልጋል ዝተውሃበን ሓላፍነት ብቅንዕናን ተኣማንነትን ብምውፃእ እቲ ክልል ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ንምስግጋር ከምዝሰርሓ ቃል ኣቲየን።

ናይ ህዝቢ መሰረታዊ ሕቶታት ሰላምን ልምዓትን ንምምላስ ክሰርሕ ኢየ ምባለን ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment