ናይ ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ጥምረት ዘውግዙ ሰልፍታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ተኻይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ጥምረት ዘውግዙ ሰልፍታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ተኻይዶም።

እቶም ሰልፍታት ኣብ ሻሸመኔ ከተማን ቢሻን ጉራቻ፣ ሱሉልታ፣ ሰበታ፣ ለገጣፎ፣ ሮቤ፣ ቡኖ በደሌን ቡራዩን ከተታት ኢዮም ተኻይዶም።

ኣብ ሻሸመኔ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ናይ ኦነግ ሸኔን ህወሓትን ዝፀንሐ ናይ ራዕዲ ስራሕቲ ዳግም ንምምፃእ ዝገብርዎ ፃዕሪ ኣይንፈቅድን ኢሎም።

ሃገር ንምድሓን ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምሉእ ዓቕሞም ከምዝድግፉ ገሊፆም።

ናይ ሻሸመኔ ከተማ ምክትል ከንቲባ ኣይተ ኢብራሂም ከድር፥ እቶም ኣሸበርቲ ጉጅለታት ዝገብርዎ ትንኮሳ ህዝቢ ብዝተሓባበረ ቅልፅም ክንምክት ኢና ኢሎም።

ናይ ለገጣፎ ከተማ መናእሰይ፣ ደቂ ኣኒስቲዮ፣ ፈረሰኛታት፣ እኖታት ኣቦታትን ኣብ ኣደባባይ ናይቶም ጉጅለታት ናይ ጥፍኣት ምንቅስቓስ ኣውጊዞም።

ብለማ ተስፋዬ፤ ተወሳኺ ሓበሬታ  ካብ ኦቢ ኤን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment