ናይጄሪያ ምሰ ጎረባብቲ ሃገራት ዘዋስኑዋ ጠረፋት ዳግም ከፊታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ናይጄሪያ ምሰ ጎረባብቲ ሃገራት ዘዋስኑዋ መሳገሩ ዶባት ዳግም ከፊታ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተኸፈቱ ኣርባዕተ መሳገሪ ዶባት እንትኾኑ፥ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተገበረ ዝነበረ ዝውውር ፍርያት ሕርሻን መሳርሒታት ኲናት ጠጠው ንምባል ብዝብል ተዓፂዮም ዝነበሩ ኢዮም፡፡

ካልኦት ዶባት እውን ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ክኽፈቱ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ናይጄሪያ ድሕሪ ዝተወሰነ እምቢታ ኣባልነት ናፃ ዞባዊ ንግዲ ኣፍሪካ እውን ኣፅዲቓ ኣላ፡፡

ናፃ ዞባዊ ንግዲ ኣፍሪካ ኣብ ወርሒ ጥሪ ስርሑ ብዕሊ እንድሕር ጀሚሩ፥ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝዓበየ ዞባ ንግዲ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ።

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ ዘሎ እታወት ልውውጥ ንግዲ ብልዑል ብርኪ ንምዕባይ ዓቢዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment