ናይጄሪያዊት ኢውያላ ፈላሚት ጓል ኣፍሪካዊት ኣንስተይቲ ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ንግዲ ዓለም ኮይነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይጄሪያዊት ዶክተር ንጎዚ ኦኮንጆ ኢውያላ ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲን ኣፍሪካዊትን ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ንግዲ ዓለም ኮይነን ተሸይመን።

ሽምት እተን ሓዳሽ ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ንግዲ ዓለም ክፀድቕ ዝኸኣለ፥ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ እቲ ትካል ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ ኣብ ስምምዕነት ምስበፅሐ ኢዩ።

ነበር ሚኒስትር ገንዘብ ናይጄሪያ ዶክተር ንጎዚ ኦኮንጆ ኢውያላ፥ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ብምዃን ከምዘገልገላን ኣሜሪካዊ ዜግነት ከምዘለወንን ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ትካል ንግዲ ዓለም ኣብዚ ሕዚ እዋን፥ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘሎ ጎንፂ ንግዲ፣ ሃገራት ነንሕድሕደን ታሪፍ መቕማጠንን ለበዳ ቫይረስኮሮና ዘስዐቦ ፀገም ኢኮኖሚ መፍትሂ ክወሃቦም ዝግብኡን ኣብ ቅድሚኡ ዘንፀላለዉ ማሕለኻታት ምዃኖም ይግለፅ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment