ናይዚ ዓመት መረፃ ንዘበናት ዝተቛፀሩ ማሕለኻታት ዝፍትሑሉ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስት ኣቢይ ኣሕመድ ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ኣመልኪቶም መግለፂ ኣውፂኦም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መግለፂም፥ መረፃ እዚ ዓመት ሕቶታት ህዝቢ ካብ ጎደና ናብ ፓላማ ዝወስድ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ሕቶ ህዝቢ ንብዙሓት ዓማውቲ ብግቡእ ናብ ጎደና ዴሞክራሲ ዘእተወ ኣይነበረን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ናይዚ ዓመት መረፃ ንዘበናት ዝተቛፀሩ ማሕለኻታት ዝፍትሑሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ፖለቲካዊ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ብዓመፅ ወይ እውን ብኲናት እናተኻየደ ከምዝነበረ ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፥ “ይኹን እምበር ክልቲኦም መገዲታት ድሑራትን ኣዕነውቲን ከምዝነበሩ ክሳብ ዘኣኽለና ርኢና ኢና” ኢሎም።

“ብዙሕ ወፃኢ ገይራ ዘምሃረቶም ሙሁራ ብግፍዒ ተቐጢሎም፤ ንዘበናት ዝተሃነፁ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ውሽጢ መዓልቲታት ናብ ሓመድ ተቐይረም፤ ይኹን እምበር ናይ ዘበናት ሕቶ ህዝቢ ግቡእ ምላሽ ኣይረኸቡን” ክብሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ድምፂ ህዝቢ ዝስመዐሉ ፓርላማ ነይሩዋ ኣይፈልጥን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እዚ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ጎደናታት ወይ ድማ ኣብ ዱር ገደል ህይወት ሰብ ንኽቕጠፍ ተገዲዱ ኢዩ ኢሎም።

ዴሞክራሲ ዝማዕበለለን ሃገራት፥ ድምፂ ህዝቢ ንኽስማዕ ዘይተጭበርበረን ትኽክለኛ ድምፂ ህዝቢ ዝስመዐሉን መረፃ ንምክያድ ልዑል ትኹረት ክዝሰርሓ ተዛሪቦም።

ሓደ ግዘ በዚ መልክዑ መረፃ እንድሕር ተኻይዱ ህዝቢታት ናብ ጎደና ምውፃእ እንተየድለዮም ብተወከልቶም ኣቢሎም ድምፆም ስለዝስመዐሎም፣ ዜጋታቶም ሰፊሕ ግዜኦም ኣብ ካልኦት ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ኣውዒሎም፣ ንባዕሎምን ሃገሮምን ንምዕባይ ንኽጥቀሙሉ ከምዝሕግዞም ኣብሪሆም።

ናይዚ ዓመት መረፃ እውን ንኢትዮጵያ እዚ ወርቃዊ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም፡፡

“ብዕዉት መልክዑ ክካየድ እንተኽኢሉ ብዝተረጋገፀ መልክዑ ድምፂ ህዝቢ ካብ ጎደና ናብ ፓርላማ፣ ካብ ጫካ ናብ ክቢ ጠረጴዛ ክምለስ ኢዩ” ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

መፃኢ ዕድል ሃገር ብልዕልነት ሓሳብ ውልቀሰባት ዝውሰነሉ እዋን ኣብቂዑ ብዙሓት ድምፂታት ተሰሚዖም፣ ብዙሓት ክትዓት ተኻይዶም፣ ብዙሓት ሓሳባት ተዋሂቦምሎም ክውሰኑሉ ከምዝኽእል እውን ገሊፆም፡፡

እዚ ንምዕዋት ድማ ተኣማንነት ከይዲ መረፃ ናብ ሕቶ ከእትዉ ዝኽእሉ ጉዳያት ኣቐዲሞም ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ኣብሪሆም።

“ይኹን እምበር ኩሉ ሰብ ካርድ መረፃ ወሲዱ ድሌቱ ክመልአሉ ዝኽእል ተወካሊ እንድሕር ዘይተመሪፁ ዝተሰርሐ ስራሕ ኩሉ ትርጉም ኣልቦ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ብምግባር ህዝባዊ ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ዝጣየሸሉ ዕድል ንምፍጣር ክስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment