ናይዚ ክፍለ ዘበን ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ኣፍሪካ ካብ ኢኮኖሚ ፅግዕተኝነት ናፃ ናይ ምውፃእ ቃልሲ እዩ – ኣማኻሪ ባንኪ ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“ናይ መበል 21 ክፍለ ዘበን ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ኣፍሪካ ካብ ኢኮኖሚ ፅግዕተኝነት ናፃ ናይ ምውፃእ ቃልሲ እዩ” ክብሉ ኣማኻሪ ባንኪ ዓለምን ኣብ ካውንስል ኣትላንቲክ ማዕኸን መፅናዕትን ምርምርን ተመራማሪ ጉዳያት ኣፍሪካ ኣይተ ገብርኤል ንጋቱ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ መሰረት ምንቅስቓስ ፓን አፍሪካኒዝም፣ ቀንዲል ናፅነት እፍሪካውያንን መስራቲት ትካላትን ብሓድነት ዝመኽሩላ እያ።

ኣፍሪካውያንን ኣብ ቃልሲ ፀረ ባዕዳውያን ብምትሕብባር፣ ኣብ ምስልጣንን ኣብ ምምኻርን ዓብይ ግደ ከምዝተፃወተት ገሊፆም።

“ካብዚ ንላዕሊ ብኣፍሪካዊነታ ዘይትደራደር ንጥቕሚ ኣፍሪካ ዘብዒ ደው ዝበለትን ሰንደቅ ዕለማ ኣፍሪካ ዘልዓለትን እያ” ክብሉ ኣይተ ገብርኤል ንጋቱ ተዛሪቦም።

ኣይተ ገብርኤል ምስ ግዜኢ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት÷ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን ዋጋ ዝኸፈለት ሃገር ከምዝኾነት ብምልዓል ካልኦት ኣፍሪካውያን ድማ ኣሰር ኢትዮጵያ ብምኽታል፤ ምንቅስቓስ ፓን አፍሪካኒዝም ከምዝቐፀሉ ሓቢሮም።

ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘበን ዝነበረ ምንቅስቓስ ፓን አፍሪካኒዝም ቀንዲ ዕላምኡ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ሓድነትን ነጻነትን ምምፃእ ከምዝነበረ እውን ኣዘኻኺሮም።

ኣፍሪካውያን ብኣንፃራዊነት ፖለቲካዊ ነጻነትን ባዕልኻ ንባዕልኻ  ናይ ምምሕዳር ነፃነት እንተወነኑ እኳ ሐዚ እውን ከምዘይተቐረፈ ኣይተ ገብርኤል ተዛሪቦም።

ምንቅስቓስ ፓን አፍሪካኒዝም ሐዚ እውን በብሃገራት ምሁራንን ፖለቲከኛታትን ከምኡ ድማ ብመንግስታት ቀንዲ ዛዕባ ከምዝኾነን ዝገለፁ ኣይተ ገብርኤል÷ ናይ መበል 21 ክፍለ ዘበን ቀንዲ ትኹረት ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚያዊ ነፃነት ምዃኑ ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያ ንባዕላ ካብ ኢኮኖሚያዊ ፅግዕተኝነት ንምልቓቕን ብመግቢ ባዕላ ንክትኽእልን ሓዱሽ ምዕራፍ ምጅማራን ብምንኣድ፤ ነዚ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ኩነታት ከምዘለዉ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment