ናብ ጣቢያታት መረፃ ካብ ሎሚ መዓልቲ ዝርገሐ ኣቑሑት ከምዝጅመር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ የኢትዮጵያ ናብ ጣቢያታት መረፃ ካብ ሎሚ መዓልቲ ዝርገሐ ኣቑሑት ከምዝጅመር ገሊፁ።

እቲ ቦርድ ምድላው ሓፈሻዊ መረፃን ዝተረፉ ስራሕቲን ብዝምልከት ንኣመራርሓታት ፓርቲታት ፖለቲካ ፀብፃብ ኣቕሪቡ፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ምድላው ድማ ኦፕሬሽን መረፃ፣ ትምህርቲ መረፅቲን ሲቪክን፣ ስልጠና፣ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ኣብ ኣካካታታይነት ርክብ ወፃኢ(ስርዓተ ፆታ) ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ።

673 ክልላት መረፃ ዝተዳለወ እንትኸውን፥ 49 ሺሕን 407 መፈፀምቲ ጣቢያታት መረፃ ተመሪፆም ኣለዉ።

ቢሮታት ክልል መረፃ ዞባታት እናተኸፈቱ ይርከቡ፤ ምድላው ሰነዳትን ናውቲ መረፃን ተዛዚሙ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ድማ ኣብ ሰለስተ ክፍሊታት ከምዝከፋፈል ተገሊፁ።

ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ዝተጀመሩ እንትኾኑ፥ ናይ መራሕቲን ዋና ኣሰልጠንቲን ከምዝተዛዘመ ተሓቢሩ።

ትምህርቲ ስነ-ዜጋ መረፅቲ ንመሃብ እውን 115 ሲቪክ ማሕራት ተመልሚሎም ን64 ኣፍልጦ ተዋሂቡ።

ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ንመረፅቲ ንምብፃሕ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ መገዲታት ብምጥቃም ካብ ሎሚ መዓልቲ ክልቀቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment