ናብ ግምባር ንዝዘምቱ ኣባላት ማሕበር ገባሪ ሰናይ ፍቅር ያሸንፋል ምፍናው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህልውና ሃገር ንምኽባር ኣብ ግምባር ንምስላፍ ድሉዋት ዝኾኑ ኣባላት ማሕበር ገባሪ ሰናይ ፍቅር ያሸንፋል ምፍናው ተገይሩሎም።

መስራቲን ዋና መካየዲ ስራሕን እታ ማሕበር ኣይተ ምስባህ ከድር፥ ከም ካልኦት ማሕበራትን ዓበይቲ ዓዲን ዕርቂ ክወርድን ኩሉ ነገር ብፍቕሪን ይቕሬታን ንኽሕለፍ መቐለ ይኺዱ እምበር ክዕወት ከምዘይከኣለ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያውያን እናሃለና ኢትዮጵያ ኣይተፈርስን ብምባል ሃገር ንምድሓን ቀፃሊ ዝኾነ ስራሕቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦትን ንምስራሕ ድሉዋት ኢና ኢሎም።

ዳይሬክተር ስራሕቲ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ብ/ጄኔራል ኩማ ሚደቅሳ ብግደኦም፥ ማሕበር ገባሪ ሰናይ ፍቅር ያሸንፋል ንዝሰርሖ ሰናይ ተግባር ብምምስጋን፤ ጁንታ ንባዕሉ ረብሓ ክብል ኣብ ሞንጎ ሰራዊትን ህዝቢን ይቕረ ዘይበሃል ክሕደት ፈፂሙ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሃገር ከፍርስ ኢየ ኢሉ ይለዓል እምበር ሓደ ገይሩና ኢዩ፣ እዚ ሃገራዊ ሓድነት እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም።

ንሰራዊት ደጀን ንምዃን ናብ ግምባር ንዝዘምቱ 50 መናእሰይ ብዓወት ንኽምለሱ መልእኽቲ ምምሕልላፎም ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment