ናብ ዓፋር ጥሒሱ ዝኣተወ ጉጅለ ህወሓት ንምድምሳስ ብምውዳድ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ዓፋር ጥሒሱ ዝኣተወ ጉጅለ ህወሓት ካብ ዝኣተወሉ እንተይወፅአ ንምድምሳስ ብምውዳድ እናተሰርሐ ምዃኑ ምክትል ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኮማንደር መሓመድ ሰናይ ገሊፆም።

ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ምስ ሰራዊት ክልል ዓፋር ብምውዳድ ናብቲ ክልል ጥሒሱ ዝኣተወ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምድምሳስ ብምውዳድ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ወህሪ ህልውና ብዙሓት ዕጡቓት እቲ ጉጅለ እንትድምሰሱ ዝተማረኹ ከምዘለዉ እውን ፀሪሖም።

እቲ ጉጅለ ብከበድቲ መሳርሒታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብምትኳስ ንፁሃን ዝፈፀሞ ተግባር ብዝኽኻር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተዋደደ ስጉምቲ እናተወሰደሉ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ምስ ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታ ብምውዳድ ነቲ ጉጅለ ጥፍኣት ብምምካት ንደሓር ክምለስ ገይሩ ኢዩ እውን ኢሎም፡፡

ኣብ ጋሊኮማ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ናይቲ ጉጅለ ዕጡቓት መብዛሕተኦም ከምዝተደምሰሱ እቶም ምክትል ኣዛዚ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment