ናብ ዉሽጢ ዓዲ እንናኣትዉ ዘለዉ ኢትዮጵያዉያን ዝገብርዎ ድጋፍ ኣጠናኺሮም ቀፂሎም ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብኹናት ጉድአት ዝበፅሖም ዜጋታት መሊስካ ንምጥያሽ ካብ ወፃኢ ናብ ዉሽጢ ዓዲ እናኣተዉ ዘለዉ ኢትዮጵያዉያን ዝገብርዎ ድጋፍ  ኣጠናኺሮም ከምዝቐፀሉ ተገሊፁ፡፡

ሎሚ እዉን ካብ ዲሲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምእታዉ ዝርከቡ ኢትዮጵያዉያን ኣብ እዋን በረራ ኣብ ዉሽጢ ነፋሪት ዘተኣኻኸብዎ 11 ሺሕ ዶላር አሜሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝርከብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ኣካዉንት “ኣይዞን ኢትዮጵያ” ኣታዊ ገይሮም፡፡

ዳያስፖራታት ብዉልቀን ብጉጅለን ካብ ዝገብርዎ ድጋፍ ተወሳኺ ከምዝኾነን ኣብ ጉዕዞ ገንዘብ ምትእኽኻብ ኹናት ዝተጎድኡ ወገናት መሊስካ ንምጥያሽ ድጋፍ እናገበሩ ይርከቡ፡፡

ሎሚ ንጉሆ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብዙሓት ፅዕንቶ ፈጠርቲ ኢትዮጵያዉያን ትዉለደ ኢትዮጵያውያን ብዓብይ ጉዕዞ ናብ ዓዲ ናብ ኣዲስኣበባ ከምዝአተዉ ክዕዘብ ክኢሉ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment