ናብ ዉሽጢ ዓዲ ንዝኣትዉ ኣጋይሽ ድሕንነቱ ዝተሓለወን ምዕሩይ ግልጋሎት ትራንስፖርቲ ንምሃብ  እናተስርሐ ከምዝርከብ  ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ዉሽጢ ዓዲ ንዝኣትዉ 1 ሚሊዮን ኢትዮጵያዉያን፤ ትዉልደ ኢትዮጵያዊያንን ፈተዉቲ ኢትዮጵያን ብፉሉይ ኩነታት ግልጋሎት ትራንስፖርቲ ንምሃብ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ፡፡

ቢሮ ትራንስፖርቲ ኣዲስ ኣበባን ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ኣዲስ ኣበባን ናይ ሓደ ሚሊዮን ኢትዮጵያዉያን፤ ትዉልደ ኢትዮጵያዉያንን ፈተዉቲ ኢትዮጵያዉያን ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣህመድ ዝተግብረ ፃዊዒት ስዒቡ ናብ ዉሽጢዓዲ ንዝኣትዉ ኣጋይሽ ብፉሉይ ኩነታት ድሕንነቱ ዝተሓለወን ግልጋሎት ትረንስፖርቲ  ንምሃብ  እናተስርሑ ኣብ ዘለዉ ኩነታት ምስ መዳረግቲ ኣካላት ዝተገበረ ዘተ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ዘተ ካብ መዕረፎ ነፈርቲ ጀሚሩ ግልጋሎት ትራንስፖርቲ  ኢትዮጵያዊ ጭዋነት መሰረተ ዝገበረ ክኸውን ከምዝግባእ፤ ምትላልን  ኣጋይሽ ምድንጋርን ከይህሉ ዉሃብቲ  ግልጋሎት ትራንስፖርቲ ሕጊ ተኸቲሎም ክስርሑ  ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ኣጋይሽ ፃኒሒቶም  ከናዉሑ  ዉሃብቲ ግልጋሎት ትራንስፖርቲ  ሰለሃገሮም ዝተማልአ ምስሊ ክህልዎም ሓበሬታ  ናይ ምሃብ  ማሕበራዊ ስነ-ምግባር ከጠናኽሩ ከምዘለዎም ምሕባሩ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪ እታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment