ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝተለኣኸ ቡን 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ልዕሊ 240 ሺሕ 369 ቶን ቡን ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ብምልኣኽ ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝተረኸበ በዓል መዚ ቡንንነ ሻሂን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 360 ሺሕ ቶን ቡን ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ 1 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ተሓሲቡ ከምዝነበረ እቲ በዓል መዚ ገሊፁ፡፡

ዝተረኸበ ኣታዊ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ምንካይ ከምዘርአየ ተመልኪቱ፡፡

ቡን ዝተለኣኸለን ሃገራት ድማ ስዑድ ዓረብ 17 ሚኢታዊ ኣታዊ፣ ጀርመን 13 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ኣሜሪካ 11 ሚኢታዊ ኣታዊ ኣፈፃፅማ ከምዘመዝገባ ተሓቢሩ፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment