ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ፍርያት ቡን 1 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ 210 ሺሕ ቶን ፍርያት ቡን 1 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣዱኛ ደበላ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ÷ ኢትዮጵያ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ተቕርቦ ፍርያት ቡን በቢዓመቱ እናወሰኸ ይርከብ።

በዚ ድማ ኣብ 10 ኣዋርሕ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 210 ሺሕ ቶን ቡን ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ከምዝቐረበ ብምግላፅ ካብዚ ድማ 1 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም።

ካብ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ልዑል ሓለፋ ከምዘለዎ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment