ናብ ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና ዘኣትዉ ዜጋታት ቁፅሪ ምውሳኹ ስዒቡ ሕፅት መተንፈሲ መሳርሒ ኣዚዩ መተሓሳሳቢ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢሲ)ብሕማም ቫይረስኮሮና ተታሒዞም ናብ ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና ዘኣትዉ ዜጋታት ቁፅሪ ምውሳኹ ስዒቡ ሕፅት መተንፈሲ መሳርሒ ኣዚዩ መተሓሳሳቢ ከምዝኾን ሓለፍቲ ማእኸላት ሕክምና ኮሮና ተዛሪቦም።

ካብ ሕፅረት መሳርሒታት ሓሊፉ ድማ ዘለዉ መለዋወጢ ኣቑሑት መተንፈሲ መሳርሒታት ብዘይምህላዉ እቲ ፀገም ብዝበለፀ ከምዘበኣኣኣሶ ገሊፆም፡፡

ኣብ ማእኸል ሕክምና ኮቪድ19 ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ሓላፊ ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና ዶክተር ህሩይ ኣርኣያ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ናብቲ ማእኸል ዝመፅኡ ቁፅሪ ተሓከምቲ ካብ እዋን እናወሰኸ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ብተመሳሳሊ ናብ ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና ዘኣትዉ ቁፅሪ ተሓከምቲ ሕማም ፋይረስኮሮና ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ወሲኹ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሞንጎ ዘለዋ 22 ዓራታት መሐከሚ ፅኑዕ ሕሙማት ኩለን ከምዝተተሓዛ ዝገለፁ ዶክተር ህሩይ፥ ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ 65 ሚኢታዊ ዝኾኑ ተሓከምቲ ሓገዝ መተንፈሲ መሳርሒ ዝደልዩ ኢዮም፡፡

ዳይሬክተር ማእኸል ሕክምና ኮቪድ19 ሚሊኒየም ዶክተር ውለታው ጫኔ ብግደኦም፥ ኣብ ማሕበረሰብ ዘሎ ምዝንጋዕ ስዒቡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ምብፅ ተዛሪቦም፡፡

ዘለዉ መተንፈሲ መሳርሒታት ንነዊሕ እዋን ብዘይምቁራፅ ኣገልግሎት ዝሃቡ ስለዝኾኑ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዎም ዓቅሚ ትሑት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ምውሳኽ ቁፅሪ ተሓከምቲ ቫይረስኮሮና፥ ማእኸላት ሕክምና ካብ ምጭንናቑ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሞያታት ልዑል ፅዕንቶ እናፈጠረ ከምዝኾነ ዶክተር ውለታው ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ዜጋታት ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው መገዲታት መከላኸሊ እቲ ቫይረስ ብግቡእ ተግባራዊ ክገብሩ ከምዝግባእ እቶም ሰብሞያታት ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment