ናብ ናፃ ቀጣና ንግዲ ድሬዳዋ ዝኣትዉ ትካላት ልምዓት ናብ ተግባር ንክኣትዉ ሕቶ ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣  14 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ናብ ሓዱሽ ናፃ ቀጣና ንግዲ ድሬዳዋ ዝኣትዉ ትካላት ልምዓት ናብ ተግባር ንክኣትዉ ሕቶ ኣቕሪቡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣይተ ደንጌ ቦሩ፥ ኣብ ድሬዳዋ ዝተጣየሸ ነፃ ቀጣና ንግዲ በዝምልከት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዛቲዮም።

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ፣  ባሕር ትራንስፖርት ኢትዮጵያን ትካላት ሎጂስቲክስ ብመሰረት ብፅሒቶም ቅድመ ምድላዎም ብምዝዛም ናብ ትግበራ ንክኣትዉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ ናፃ ቀጠና ንግዲ ንመኽዘንን መቀነባበሪ ኤክስፖርትን ዘገልግሉ ሼዳት ድልዋት ምዃኖም፣ ደረቕ ወደብ ድሬዳዋን ፓርክ ኢንዱስትሪን ምስ ደረቕ ወደብ ድሬዳዋ ዘራኽቦም መገዲ ኣብ ምዝዛም ምዃኑን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬተ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment