ናብ ቻይና ኣብ ዝለኣኹ ፍርያታት ወፃኢ ተተሓሒዞም ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ዘተኮረ ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ናብ ቻይና ኣብ ዝለኣኹ ፍርያታት ወፃኢ ተተሓሒዞም ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ዘተኮረ መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ ልዝብ መርበብ ሓበሬታ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዘተ ሓደሽቲ ድንጋገታት ሕጊን ኣብ ለኣኽቲ ትካላት እናተፈጠረ ዝርከብ ፅዕንቶ ብስፍሓት ዝተልዓለ እንትኸውን፥ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ብግዚያውነትን ዘላቒን ይሕግዙ ኢዮም ዝተብሃሉ መፍትሒታት እውን ቀሪቦም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ዝተረኸቡ ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባደርን ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣይተ ተሸመ ቶጋ፥ እቲ ፀገም ብእዋናዊነት ንምፍታሕ ምስ ምምሕዳር ጉምሩኽ ቻይና ዲፐፕሎማሲያዊ ዘተታት ከምዝግበሩ ብምሕባር እታ ሃገር ነቲ ሕጊ ዘውጸአቶ ንኹለን ሃገራት ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ለኣኽቲ ነዚ ዝምጥን ምድላው ምግባር ከምዝግበኦም ፀሪሖም።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኤዠያን ፓስፊክን አምባሳደር ዶክተር ገበየሁ ጋንጋ ብግደኦም፥ ዝተፈጠረ ፀገም ረብሓ ሃገር ካብ ምስኣኑ ብተወሳኺ ኣብ ዕዳጋ ቻይና ዘሎ ምቹው ኩነታት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ብግቡእ ከይትጥቀመሉ ዝገብር ብምዃኑ፤ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብዘካተተ መልክዑ ናይ መፍትሕ ስራሕቲ ክስርሑ ከምዝግበኦም ገሊፆም።

ለኣኸቲ ትካላት እውን ባዕሎም ኣካል እቲ መፍትሒ ብምግባርን ጥንኩር ሕብረት ብምፍጣርን ምምሕዳር ጉምሩኽ ቻይና ዘውፀኦም መለክዒታት ንምምላእ ዘኽእል ዓቕሚ ክፈጥሩ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment