ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ዝግበሩ በረራታት ጠንካራ ተፍቲሽን ጥቡቕ ምርመራን ክግበር ኢዩ ክብል ኣፍሊጡ።
ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ወድብ ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ጉዳይ ልምዓትን ኣፍሪካን ከምዝኾነ ምርግጋፁ ልዑል ዓወት ዲፕሎማሲ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
እቶም ኣምባሳደር፥ እቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ ኣብ ክሊ ህዳሰ ገድብ ዘመሓላለፎ ውሳነን ኣጀንዳን ጉዳይ ኣፍሪካ ምዃኑ ምርግጋፁ ልዑል ዓወት ዲፕሎማሲ ኢዩ ኢሎም።
ምስ ቀወምቲን ተለዋጢ መቐመጢ ዘለወንን ኣባል ሃገራት እቲ ቤት ምኽሪ ብተናፀል ዝተገበረ እቲ ጉዳይ በዝምልከት ናይ ምርዳእ ስራሕ ውፅኢት ምምዝጋቡ ኣርኢዩ ኢዩ ኢሎም።
ቅድሚ እቲ ኣኼባ ናይ ተቓውሞ ሓሳባቶም ብሰለማዊ ሰልፊ ንምግላፅ ምፍታኖም ቀጥታ ዘይኮነ ናይ ባዕሉ ፅዕንቶ ከምዝነበሮን ኢትዮጵያውያን ዘለዎም ፍቕሪ ሃገር ዘርኣይሉ ኢዩ ኢሎም።
ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ብተናፀል ተኺሲ ደው ናይ ምባል ምኽኒያት ሓረስታይ ብዝተረጋገዐ መገዲ ስራሕቱ ንክዓምምን እቲ ጉጅለ ስግኣት ድሕንነት ዘይምዃኑን ቀንዲ ቀንዲ ተረቋሕቲ ኢዮም ኢሎም።
እቲ ጉጅለ ንተኺሲ ደው ምባል ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፥ ይኹን እንበር ዘይሕሰቡ ቅድመ ኩነታት ከምዘቐመጠ መብርሂ ከምዝተውሃበሉ ገሊፆም።
ንሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ዝግበሩ በረራታት ጠንካራ ተፍቲሽን ጥቡቕ ምርመራን ክግበር ኢዩ ክብሉ እውን ኣፍሊጦም።
ብሃብታሙ ተ/ስላሴ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።