ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ክልል ትግራይ ትራንስፖርት መሬት ንምጅማር ንማሕበራት መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስቴር ከምዝሓሮ÷ ብሚኒስትር ዝምራሕ ኮሚቴ ሚኒስትራት ምስ ፈቐደ ኣገልግሎት ክጅመር ኢዩ፡፡
ብመሰረት እዚ÷ ሃገር ኣቋረፅቲ፣ ፍሉያት ኣውቶቡሳት፣ ስሩዓት ኣውቶቡሳትን ካልኦት ትራንስፖርት ዝህባ ማሕበራትን ድሉዋት ንኽኾና መምርሒ ከምዝተመሓላለፈ ተገሊፁ፡፡
እቲ ኣገልግሎት÷ ቅድም ኢሉ ብዝነበሮ መስመር መሰረት ብምግባር ናብ መቐለ፣ ኣኽሱምን ሽረን ሓዊሱ ናብ ካልኦት ከባቢታት ክጅመር ኢዩ ተባሂሉ።
ብዮሐንስ ደርበው