ናብ ትግራይ ተቋሪፁ ዝነበረ ትራንስፖርት ምድሪ ዳግም ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ትግራይ ተቋሪፁ ዝነበረ ትራንስፖርት ምድሪ ዳግም ከምዝተጀመረ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስቴር ትራንስፖርት ምስ ቢሮ ትራንስፖርት ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያው ብዝተሰርሐ ስራሕ ናብ ትግራይ ተቋሪፁ ዝነበረ ትራንስፖርት ምድሪ ዳግም ከምዝተጀመረ ተመልኪቱ፡፡

ሚኒስቴር ትራንስፖርት ብመሰረት ዘካየዶ መፅፅናዕቲ፥ ካብ 14 ሚያዝያ 2015ዓ.ም ጀሚሩ ብዝተገበረ ፈተነ ክሳብ ሕዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ትግራይ ከምኡ እውን ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት 19 ኣውቶብሳት ከምዝተመላለሳ ተሓቢሩ።

ትራንስፖርት ምድሪ ምጅማሩ ብሕብረተሰብ ልዑል ሓጎስ ከምዝፈጠረን እቲ ጉዕዞ ትራንስፖርት ንኽዕወት እወንታዊ ኣስተዋፅኦ ምግባሮምን ተገሊፁ።

ብፍላይ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዝነበሩ ዘይሕጋዊ ኬላታት÷ ኣብ ምውጋድን ቁፅፅር ኣብ ምጥባቕ ሰብ መዚ እቲ ከባቢን ኣመራርሓታትን ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ።

ቁፅፅር ድሕንነት ብምግባር ሓፈሻዊ እቲ መስመር ትራንስፖርት ፖሊስ ፌዴራል ከምዝቆፃፀሮ ተገሊፁ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬን ሰለሞን ይታየውን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment