ናብ ቱርኪ ዝተጓዓዘ ጉጅለ ህይወት ኣድሕን ኢትዮጵያ ልኡኹ ብምዝዛም ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ቱርኪ ዝተጓዓዘ ጉጅለ ምድላይን ህይወት ኣድሕንን ኢትዮጵያ ልኡኹ ብምዝዛም ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ስዒቡ ክሳብ ሐዚ ለዕሊ 47 ሺሕ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ልዑል ዕንወት ህይወት ምብፅሑን ይዝከር።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ መስ ቱርኪ ዘለዋ ፅኑዕ ዴፕሎማሲያዊ ርክብ መበገሲ ብምግባር መነግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝሃቦ ውሳነ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፌዴራል ፖሊስን ሚኒስትር ጥዕናን ዝተውፃእፅኡ ናውቲታት ሓገዝ ዝሓዙ 27 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ምድላይን ህይወት ኣድሕንን ኢትዮጵያ ናብ ቱርኪ ከይዱ ኢዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብሓላፊ ዋና መምርሒ መሃንዲስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሌተናል ጀነራል ደስታ ኣብቼ ዝምራሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ህይወት ኣድሕን ልኡኹ ብምዝዛም ናብ ሃገሩ ዝተመለሰ አነትኸውን ኣብ መዕርፎ ነፈርዪ ቦሌ እንትበፅሕ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መነግስቲ ፌዴራል ኣቀባብላ ከምዝገበርሉ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment