ናብ ሽረ ልዕሊ ብር 3 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም መድሕን ህይወት መድሓኒታት ይጓዓዙ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ኣቕራቢ ኣፋውስ ኢትዮጵያ ብር 3 ሚሊየን 96 ሺሕን 657 ዋጋ ዘለዎም መድሕን ህይወት መድሓኒታት ናብ ሽረ እናጓዓዓዘ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ካብ 12 ጥሪ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ መድሕን ዝኾኑ መድሓኒታት እናጓዓዓዘ ከምዝኾነ እቲ ኤጀንሲ ገሊፁ ኣሎ።

ብቀንዱ ንደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝውዕሉ መድሕን ህይወት መድሓኒታት፣ እታወታት ሕክምና፣ ፀረ ዓሶ፣ ሳምባ መንቀርሳን ኤች ኣይቪ ኤድስን ንምሕካም ዝሕግዙ ኣፋውስ ኢዮም እናተጓዓዓዙ ዝርከቡ።

ካልኦት ከም Tetanus Antitoxin, propyithiouracil tablet, pethidine HCL Ampoule, hydrocortisone sodium succinct, Insulin isophane, soluble and biphasic ዝበሉ ከምዝርከቡዎ እውን ተሓቢሩ፡፡

እቶም ኣፋውስን እታወት ሕክምናን፥ ኣብ ጨንፈር ሽረ እንትበፅሑ ንትካላት ጥዕና ከምዝከፋፈሉ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment