ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ገበናት ብምፍፃም ስግኣት ፀፅታ ዝኾኑ 1 ሺሕ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ሒዙ ምፅራይ እናገበረ ከምዝኾነ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን 22 ጉንበት 2013 ዓ.ም ኣብ ሸውተ ክፍለ ከተማታት ኣብ ዝተመረፁ 20 ከባቢታት ብዘካየዶ ኦፕሬሽን ቀዋሚ ኣድራሻ ዘይብሎም፣ ኣብ ዋና ዋና ኣደባባያትን ምሸት ምሸት ኣብ ሕቡእ ቦታታትን ዝተፈላለዩ ገበናት እናፈፀሙ ዝነበሩ 999 ውልቀ ሰባት ብመሓዝ ኢዩ ምርመራ ገበን እገበረ ዝርከብ፡፡
ካብ ሞንጎ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ውልቀ ሰባት፥ ምንቅስቓስ ትራፊክ እናሃወኹ ዝነበሩ ብፍላይ መብራህቲ ትራፊክ ጠጠው ካብ ዘበላ ተሸከርካሪት ስፖኪዮ ነቒሎም ከምዝወስዱ፣ ካብ ኣሽከርከርቲ ወይ ድማ ካብ ተሳፈርቲ ሞባይል ስልኪ፣ ሃብል፣ ቦርሳን ዝተፈላለዩ ንብረታትን መንጢሎም ከምዝሕብኡ ተፈሊፁ፡፡
ብሓፈሻ ትኹረቶም ኣብ ዋና ዋና ኣደባባያት መብራህቲ ትራፊክ ኣብ ዝሓዘን ተሸከርከርቲ ብምግባር ገበን እናፈፀሙ ከምዝነበሩ እቲ ኮሚሽን ካብ ህዝቢ ብዝበፀሖ ሓበሬታን ብዝገበሮ ምፅራይን ምርግጋፁ ገሊፁ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!