ናብ ሃገር ዝጓዙ ኣባላት ዳያስፖራ ዘተኣናግድ መርበብ ሓበሬታ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቢዪ ፃውዒት ጉዕዞ ናብ ሃገር  መሰረት ብምግባር ናብ ኢትዮጵያ ዝጓዙ ኣባላት ዘተኣናግድ መርበብ ሓበሬታ ዕላዊ ከምኾነ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኣፍሊጡ።

ሓደ ሚሊየን ኢትዮጵያውያን ኣባላት ዳያስፖራ ናብ ሃገር ንኅመፅ ዝቐረበ ሃገራዊ ፃውዒት ስዒቡ፥ ብዙሓት ኣባላት ዳያስፖራ ናብ ኢትዮጵያ እናኣተዉ ከምዝኾኑ ይፍለጥ፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ጉዳይ ንኸተሓባብር ብብርኪ ሃገር ዝተጣየሸ ኮሚቴ ሴክሬታሪያትን መተሓባበሪ ዝኾነ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያን፥ እዋን ፃንሒት ዳያስፖራ ዝተወደበ፣ ቅልጡፍን ውፅኢታዊን ንምግባር ዝሕግዝ ከምኡ እውን ነቲ ዳያስፖራ ኩለመዳይ ሓበሬተ ዘቕርብን ናይ ኣባላት ዳያስፖራ ሓበሬታታት ንምትእኽኻብን ንምውዳብን ዘኽእል ኦንላይን ሓበሬታ ዝህብ መርበብ ሓበሬታ ዕላዊ ገይሮም፡፡

ኣድራሻ ናይ እቲ መርበብ ሓበሬታ ድማ www.greatethiopianhomecoming.org ኢዩ፡፡

ኣባላት ዳያስፖራ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ register ኣብ ዝብል ታብ ብምእታው ብዝረኽቡዎ ፎርም ክምዝገቡ ዝሓተተ እቲ ኤጀንሲ፥ ካብቲ መርበብ ሓበሬታ መረዳእታ ምርኣይን ዘለዎም ሕቶ ብምፅሓፍን መልሲ ምርካብ ከምዝኽእሉን ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣብ ፌሰቡክ ገፁ ኣፍሊጡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment